በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምስ ምውሳኽ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ዝመጣጠን ምህናጽ ሓደስቲ ኣባይቲ ዘይምህላዉ ጠቒሱ’ሎ። እዞም ዝወጹ ኣሃዛት ከም ዘመልክትዎ ካብ ወርሓ ጥሪ ክሳብ ሓምለ እተሰርሑ ኣባይቲ ክራይ ኣባይቲ እዮም። ፍርቂ ካብዞም ኣብ ሽወደን እተሃንጹ ኣባይቲ ሕጂ ብተኻረይቶም ነበር ተወኒኖም ምህላዎም እውን እቶም ጸብጻባት ብተውሳኺ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
በዓልመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን ጆሃንስ ጆሃንሰን እዚ ኣብ ክራይ ዘሎ ወሰኽ ኣዝዩ ናህሪ ዘለዎ ምዃኑን ምስ ኣብ ከባቢ ወሰናስን ዘሎ እንክነጻጸር ብፍላይ ዓብዪ ወሰኽ ምዃኑ እዩ ኣመልኪቱ ዘሎ። ምስ ህንጻ ፍርቂ ዓመት ናይ ዓሚ እንክወዳደር ምህናጽ ኣባይቲ ሽወደን ብ ትሽዓተ ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።
ምስ ምጉዳል ፍቓድ ህንጻ እዚ ምንቊልቋል ምህናጽ ኣባይቲ ክቕጽል ከም ዝኾነ ጆሃንሰን ብተወሳኺ ኣመልኪቱ’ሎ። ናይ ክራይ ዋጋ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ሽወደን ዝፈላለ ኮይኑ ኣብ ቫስትራ ጉትላንድ ካልማር ኦስትሩጊትላንድን ስኬንን ኣጸቢቑ ምጒዳሉ ኸኣ ተመልኪቱ’ሎ።