ኣብ ሽወደን፡ ኣማዞን ኤስ አ (Amazon.se) ዝተባህለ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ሸመታ (handla) መርበብ ከምዝኸፈተ ዓርመሾሽ ኩባንያ ኣማዞን ሓቢሩ። በዚ ድማ፡ ዓማዊል ኩባንያ ኣማዞን፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን፡ ተወሳኺ ናይ ሸመታ ተመክሮታት ዝረኽብሉ፡ ናእሽቱ ኩባንያታት ድማ፡ ሓደስቲ ዓማዊል ንኽረኽባ፡ ዘኽእለን ዕድላት ዝፍጠረሉ ኩነታት እዩ፡ ክብል’ቲ ኩባንያ ገሊጹ።
ኩባንያ ኣማዞን፡ ንሽወደናውያን ኩባንያታትን ኣህለኽትን፡ ብመንገዲ ዝተፈላለያ ኤውሮፓውያን ኤሌክትሮኒካዊ መርበባት፡ ክፉት ከምዝነበረ ዝፍለጥ እኳ እንተኾኑ፡ እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ግን፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝርከቡ ቸርቸርቲ (ብንጽል ዝሸጡ) ምሉእ ናይ ተጠቃምነት ዕድል ዝህብ ምዃኑ ኣብ ኩባንያ ኣማዞን፡ ጨንፈር ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ዝኾነ ኣሌክስ ኦትስ ካብቲ ኣልኮፒስ ቅዳሕ ዝተዋህበሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቶም ኣገደስቲ ዝኾኑ፡ ከም ዝሓሰሩ ዋጋታትን ቅልጡፍ ምብጽጻሕን፡ ዝኣመሰሉ ደቀቕቲ ረቛሒታት ኣቶኪርና ብምስራሕ እምነት ሽወደናውያን ዓማዊልና ክንከስብ ክንክእል ኢና ክብል፡ ኦትስ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣስታት 60% ካብ መሸጣ ናይ ኣማዞን፡ ንመሸጣ ዝቐረቡ ናይ ካልእ ኩባንያታት ኣቕሑን
ናይ ዝተፈላለያ ኩባንያታት፡ ኣቕሑን ንብረትን፡ ኣስታት 60% ካብ መሸጣታት ኩባንያ ኣማዞን ዝሽፍኑ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፍርያተን ብመንገዲ ትካላት ኣማዞን ዝሸጣ፡ 1.7 ሚልዮን ዝኾና ናእሽቱን ማእከሎትን ኩባያታት ኣለዋ።