ክሳብ ሕጂ፡ ሽወደን፡ 100 ሽሕ ዝኸውን ክታበት ጸረ ኮሮና ተረኪባ ከምዘላን፡ ኣብ መዓላ ንሽማግለታትን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብን ክውዕል ምዃኑን ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ብቐዳምነት ንኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና እንተዝወሃብ ኣይምሓሸን’ዶ ዝብል ሞጎተ ተላዒሉ ኣሎ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።
ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ንሽማግለታትን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብናን ብቀዳማይ ደረጃ ምሃብ ኣብ ስነምግባር ዝተሞርከሰ እዩ ክብል ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንዲሽ ቲግኒል ድሕሪ ምሕባሩ፡ ነቲ ውሳኔ፡ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ከምዝኽእል ኣንፊቱ።
ቤት ምኽሪ ስነምግባር፡ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና ብቐዳማይ ደረጃ ክወሃቦም ዝግባእ ኣገደስቲ ጽላታት ኣየኖት ምዃኖም ንምልላይ ዘተ እኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ጽላት ጥዕና ዝሰርሑ ድዮም ወይስ ኣብ ቤት ትምህርታትን ምእላይ ህጻናትን ዝሰርሑ ወይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝሰርሑ እዮም ብምባል ነቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ጽላታት ንምልላይ ይሰርሕ ኣሎ። እዞም ጽላታት እዚኣቶም፡ ኣብ እዋን ስራሕ፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክተዘውትረሎም ዘይትኽእል ኮይኖም እቶም ኣገደስቲ ስራሓት ዝበሃሉ ብቐደም ተኸተል ክትሰርዖም ኣይከኣልን እዩ ክብል ፕሮፈሶር ሳንድማን ገሊጹ።
በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንክታበት ጸረ ኮሮና ኣመልኪቱ መምርሒታት ኣውጺኡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ ብቐዳምነት፡ ነቶም ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብን ኣብ እንዳ ኣረጋውያን ዝነብሩን ኣብ ኣባይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝወሃቦም ሽማግለታትን ከምኡ ውን ነቶም ምስኣቶም ዝቕመጡ ኣዝማዶምን ከምኡ ውን ንሰራሕተኛታት ኣባላት ጥዕና ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ ክብል ተተ ኣመሓላሊፉ።