ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ካልእ ሃገር ተማሂሮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕክምናዊ ሞያኦም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘሰላስሉ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ ክብረ ወሰን ክሕዝ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 279 ስደተኛታት ሓካይም፡ ብሞያኦም ንኽሰርሑ ካብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ፍቓድ ምርካቦም ተፈሊጡ። ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ፍቓድ ዝወሃቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ሓካይም፡ 196 ምንባሩ ይዝከር።
ሬድዮ ሽወደን፡ ምስ ሓደ ፍቓድ ስራሕ ዝረኸበ ሓኪም ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ‘’ መጀመርታ ናብ ሽወደን ምስ ኣተኹ፡ ቋንቋ ክመሃር ስለዝነበረኒ፡ ተቐላጢፈ ቋንቋ ክመሃር ምእንቲ ኣብ ሓንቲ ፋርማሲ ስራሕ ጀሚረ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃበኒ ድማ ከም ተሓጋጋዚ ሓኪም ኮይነ ሰሪሐ’’ ብምባል እቲ ስደተኛ ሓኪም፡ የዘንቱ።
ሓደ ካብ ምኽንያት ምብዛሕ ስደተኛታት ሓካይም፡ እቲ ኣብ ዓመተ 2016 ዝተኣታተወ ሓድሽ ስርዓተ ግምገማ ምስክር ወረቐት ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።
ኩነታት ናይዞም ስደተኛታት ሓካይም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ የርኢ’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ብዝቐልጠፈ እዋን ንኽኣትዉ፡ ምትሕግጋዝ ናይ ከም በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ቤት ጽሕፈት ዕዮን ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ማሕበራዊ ጉዳያትን ከድሊ ምኳኑ፡ ሓላፊት ማሕበር ሓካይም ሽወደን፡ ሶፍያ ስታሊ፡ ገሊጻ።