ኣብ ሽወደን፡ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት 1.1 ሚልዮን ከምዝበጽሐን፡ ካብዚኣቶም ድማ 14,655 ከምዝሞቱ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣስታት 6.3 ሚልዮን ሰባት እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝተኸትቡን እዚ ድማ ንመጠን ዝተኸትቡ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን ናብ 76.9% ክብ ከምዘበሎ ጸብጻብ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ መጠን 49.1% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።