መንግስቲ ሶማል፡ ዕጡቓት ምልሻ፡ ኣብ ጥቓ ህንጻ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ መዓስከር መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ገሊጹ። ሚኒስተር ሓለዋ ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ዝለኣኾ ሓጺር ጽሑፍ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ብዝተዋህቦ ግብረ መልሲ ፈሺሉ እዩ ኢሉ’ሎ። ተቐማጦ መቓዲሾ፡ ብርቱዕ ተዂሲ ምስምዖም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሒደት ሰዓታት ቅድሚ ሰልፊታት እታ ሃገር ፎርማጆ ኣብ ስልጣን ክቕጽል የብሉን ዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ምድላወን እዩ። ናይ ፎርማጆ ናይ ስልጣን ዘመን ዝሓለፈ ሰሙን ዘብቅዐ ኮይኑ፡ ዝኾነ ተተካኢ ብዘይምህላዉ፡ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ቅልውላው ኣስዒቡ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ፕረሲደንት ፎርማጆ ነዚ ቅልውላው ንምብቃዕ ምስ ሓሙሽተ ዞባዊ ፕረሲደንትታት ክዝቲ እዩ ተባሂሉ’ሎ።