ኣብ ስፖርታውን ባህላውን ጽምብላት ተፈቒዱ ዝነበረ ናይ 50 ሰባት ምትእኽኻብ፡ ናብ 300 ሰባት ክእከቡ ዘፍቅድ መምርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሰብ መዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሚኒስተራትን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝተመሓላለፈ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።
እቲ ዝተፈቕደ ምትእኽኻብ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ኮፍ ኢልካ ትዕዘቦ ባህላዊ ምርኢታት፡ ሙዚቃዊ ትያትራትን ሲነማታትን ዘጠቓልል ኮይኑ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እዩ።
እዞም ኣካየድቲ ናይዞም ንጥፈታት፡ ሓላፍነት ክስከሙ ድልውነቶም እኳ እንተ ኣረጋገጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በብወገኑ፡ ሓላፍነት ክስከም ከምዝግባእ፡ ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣዘኻኺራ።
ንለይታዊ ትልሂታት ዝምልከት መምሒታት ግን፡ ከምቲ ናይ መጀምርያ ምህላዉን ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ከምዘይፍቀድን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ።