ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ መዓልታዊ ኣብ ልዕሊ 5000 ሰብ መርመራታት ሕማም ኮቪድ-19 ከምዝጀመረ ሓላፊ ክፍሊ ምርምር ካሮሊኒስካ ዮኒቨርስቲን ተሓታቲ መርመራታት ኮሮና ቫይረስ ዝኾነ ክላይስ ሮስ ሓቢሩ። ተወሳኺ 2000 መርመራታት ናይ ጸረ ተሃዋስያን (Antibody) ውን ከነካይድ ኢና። እዚ ዓይነት መርመራ፡ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ብቫይረስ ተለኺፉ ነይሩ’ዶ ኣይተለኽፈን ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ ክብል ሮስ ኣብቲ ምስ ሬድዩ ኢኮት ዝገበሮ ርክብ ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ቁጽሪ ናይ ዝምርመሩ ሰባት ሰሙናዊ ናብ 100 ሽሕ ሰብ ክብ ንኽብል ዘኽእል ሓድሽ ንድፊ ከውጽእ ዝሓለፈ ዓርቢ ብመንግስቲ ሓላፍነት ከምተዋህቦ ይዝከር። ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ብወገኑ ነቶም ኣብ ሓላዋ ጥዕናን ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ሰባት ናይ መርመራ ቀዳምነታት ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።