ትማሊ ምሸት ፖሊስ ጾታዊ ርክብ ንኽገዝኡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ 18 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። እዚ ኣብ ቀይዲ ምእታው ብምትሕብባር ፖሊስን ኖርማልምን ከም እተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።፡ ” ከም ኣካል ናይቲ ጾታዊ ርክብ ዝገዝኡ ሰባት ንምሓዝ ዝፈለመ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲና ኣሎና” ክብል መርማሪ ገበናት እቲ ጒጅለ ሳይሞን ሃግስትሮም ገሊጹ። ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ግና ተቘጢቡ’ሎ።
ጾታዊ ርክብ ኣብ ምሽርሻር ዝነበራ ደቅርንስትዮ ኣብ ኣዝዩ ትሑት መነባብሮ ዝነብራ ምዃነን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እዘን ደቀንስትዮ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝመጻ ኮይነን ኣብ ሕማቕ ኲነታት ዝነብራ እየን። ገሊኣተን እውን ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግድ ሰብ እየን። ኣብ ወርሓ ለካቲት ፖሊስ ተመሳሳሊ ወፍሪ ብምክያድ 41 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዝዝከር እዩ። ሽወደን ጾታዊ ርክብ ንዝገዝኡ ደቂተባዕትዮ ብሕጊ ከም እትቐጽዕ ይፍለጥ።