ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ዝኾነት ስቶክሆልም እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ሓድሽ መስመር መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ሓንቲ ቻይናዊት ኩባንያ ንምህናጽ ዘድልዩ ነገራት ንምቕራብ ናይ ዕድጊ ኮንትራት ተዓዊታ ኣላ። ቻይና ረይልወይ ግሩፕ (CRTG) ዝተባህለ ኩባንያ እቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሽወደን ናይ ዕድጊ ኮንትራት ዝተዓወተ ኩባንያ ምዃኑ ዳገንስ ኢንዱስትሪ (Dagens Industri website) ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ።
እቲ ዝተገብረ ውዕል ምስራሕ ናይ ሰለስተ ገለርያታት ኮይኑ ዋግኡ ድማ 276 ሚልዮን ክሮነር ($28 ሚልዮን) እዩ። በዚ ቻይናዊት ኩባንያ ኣቕሪባቶ ዘላ ዋጋ እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ፕሮጀክት ክስራሕ ከምዘይክእልን ብመሰረቱ ብቻይናውያን ዝውነን ኩባንያ ኣብ ሃገራዊ ውድድር ምእታዉ ዝነቐፈ ናይታ ካልኣይቲ ተዓዋቲት ዝኾነት ኩባንያ Spytera Severa ናይ ምፍጻም ሓላፊ፡ ፓትሪክ ማረልዩስ፡ ንዳገን ኢንዱስትሪ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
እቲ ክዝርጋሕ ተወጢኑ ዘሎ መስመራት መንገዲ ባቡር 11 ሓደስቲ መዕረፍ ባቡርን ሓዲሽ መስመርን ዘጠቓልል እዩ። ብጫ መስመር፡ ካብ 1970 እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ሽወደን።