ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ፡ ዝወሓደ ቊጽሪ መረጽቲ ከም እተራእየ ተገሊጹ። ኣብ 2018 ምስ ዝተገብረን 87% ካብ ህዝቢ ድምጾም ዝሃብሉን ምርጫ እንክወዳደር፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብ 84% ቊጽሪ መረጽቲ ዝወሓደ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።
ሓንቲ ካብዞም ዝወሓዱ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ዝተራእየሎም ምምሕዳራት ከተማ፡ ቦትኪርካ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኮይና፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ 78% እንክወዳደር ብ 7% ብምጒዳል፡ 71% ጥራይ ምንባሩ፡ እንተኾነ ግና ካብዚ ዝተሓተ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ዘመዝገባ ምምሕዳራት ከተማ እውን ምህላወን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊሉ’ሎ።
ኣብ ከምኒ ቦትኪርካ ወረዳ ኣልቢበርገት ቫስትራ ንኣብነት፡ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ብ 20% ምንቊልቋሉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣረዲኣ’ላ።