ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ፋርሽታ–ስቶክሆልም–ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጥይትን ስሕለትን መጥቃዕቲታት ሰባት
ምሟታምን ምቚሳሎምን ተገሊጹ። በዚ መጥቃዕቲ፥ ወዲ 15 ዓመት ኮተቴን 45 ዝዕድሜኡ ሰብኣይን ምሟቶም፥ ክልተ
ካልኦት ከኣ ምቚሳሎም ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ፋርስታ ዝተፈጸመ ተዂሲ፥ ምስቶም ኣብ ኤስኪልስቱና፡ ሶልና፡ ዮርድብሮን
ኣፕላንድስ ቫስቢን ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ምስ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ርክብ ኣለዎም ድዩ የብሉን ንምድምዳም ግዜኡ
ኣይኣኸለን ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ሽወደን ሄለና ቦስትሮም ቶማስ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ መወትቲ ይዂን ተጎዳእቲ፥ ሓቀኛ ሸቶ ናይቲ
መጥቃዕቲ ብዛዕባ ምዃኖም፥ ድርኺት እቲ መጥቃዕቲ ብቐንዱ እንታይ ምዃኑ፥ ገና ዝተጣለለ ነገር ከም ዘየለ፥ ሄለና ወሲኻ
ኣመልኪታ። ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ካልእ ዝተነጸለ ናይ መቕተልቲ ፍጻመ፥ ኣብ ኣልቭስዮ–ስቶክሆልም–ወዲ 15 ዓመት ኮተቴ
ብ ስሕለት ተወጊኡ ከም እተቐትለ ተፈሊጡ። ነዚ መጥቃዕቲ ብረት ዝፈጸሙ ሰባት ብቚጽሪ ክልተ ኮይኖም፥ ናብቲ ማእከል
ብመኪና ብምምጻእ ተዂሲ ከም ዝኸፈቱ መሰኻኽር ሓቢሮም ኣለዉ።
ብዘይካዚ ኣብ ፋርስታ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት እትርከብ ሰበይቲ ብሽክለታኣ እናፈትሐት ኣብ ከባቢ ብርካ ብጥይት ከም
እተወቕዐት እንተኾነ ግና ናብ ውሑስ ቦታ ክትሃድም ምኽኣላ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ልፍ
ክሪስተርሰን ነዚ ፍጻመ ኣመልኪቱ “ጸላም መዓልቲ” ክብል ሓዘኑ ገሊጹ’ሎ።