ካብ 4 ክሳብ 10 ኣብ ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝረአ መጠን ምኽራሽ ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማ ስቶክሆልም ብናህሪ እናዛየደ ምምጽኡ ተገሊጹ። ብመሰረት ካብ ማእከል መጽናዕቲ ሕማማትን ማሕበራዊ ሕክምናን ዝተረኽበ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ምውሳኽ ክብደት ኣብ ትሽዓተ ምምሕዳራት ከተማ ብፍላይ ብናህሪ ይበዝሕ ኣሎ ተባሂሉ’ሎ።
ምኽራሽ ኣብ ደቀንስትዮ ክሳብ 4 ዝዕድሚአን ክረአ እንከሎ ክሳብ 10 ኣብ ዘለዉ ግና እቶም ዝበዝሑ ደቂተባዕትዮ እዮም። “እዝክ ንምእላዩ ጽዑቕ ጻዕሪ ዝሓትት ከቢድ ሽግር እዩ” ክትብል መምህር ህዝባዊ ጥዕና ፕሮፌሰር ሊሰሎት ሼፈር ሓቢራ’ላ። ኣብ ንኡስ ዕድመ እዞም ስጒምቲታት ኣዝዮም ውጽኢታውያን እዮም ዝበለት እታ በዓልቲ ሞያ ወለዲ ብዛዕባ ኣመጋግባ ደቆም ዓብዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ለበዋኣ ኣመሓላሊፋ’ላ።