ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ሶልና፡ ዝርከብ መቓብር፡ 400 እምነ-መቓብር ከም እተራሰየ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢሩ።
እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ናይ ውሽጥኻ ሕርቃን ዘውጽእ እዩ ክትብል፡ ስቫንቴ ቦሪ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መቓብር፡ ንጋዜጣታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓለዋ ናይቲ መቓብር ወሲኹ ኣሎ ድማ ኢሉ።
እቲ ራስያ ንኹሎም ዓይነታት እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ዝጸለወ ብምዃኑ ንሓደ ሃይማኖት ዕላማ ብምግባር ዝተኻየደ ከም ዘይኮነ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ ዛጊት ብርክት ዝበለ ናይ ዲ.ኤን.ኤይ ኣሰር ረኺቦም ምህላዎምን ውጽኢት ይጽበዩ ምህላዎምን ድማ ተሓቢሩ። እዚ ራስያ መቓብር፡ ብቐዳም፡ ዝጀምረ ምዃኑን ዛጊት እቶም እምነ መቓብራት ናብ ቦትኦም ከም ዘይተመልሱን ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።