ብጣዕሚ ደቀቕቲ ዝኾኑ ኣካላት ተጠቂምካ ነቶም ኣብ ሳንቡእ ዝፍጠሩ ጥረታት ብምጥቃዕ ንምፍዋስ ዘኽእል ኣገባብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሉንድ ይምዕብል ኣሎ። እቲ ኣገባብ ኣፈዋውሳ፡ ንመጠን ሓደጋ ጎድናዊ ሳዕቤናትን መጉዳእቲ ናይቶም ጥዑያት ዝኾኑ ዋህዮታት ሳንቡእን ክቕንስ ከምዝኽእልን ይንገረሉ።
ኣብ ሳንቡእ ዝፍጠሩ ጥረታት፡ ብሰንኪ ኣቀማምጠኦም ወይ ድማ ንኽትርዮም ኣሸገርቲ ስለ ዝኾኑ፡ ንኽትኣልዮም ብጣዕሚ ኣሸገርቲ እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ እቶም ጥረታት፡ መድሃኒትን ጸረ-ነፍሳትን ናብቶም ናይ ጥረ ዋህዮታት ንኸይበጽሑ ናይ ገዛእ ርእሶም ሽፋን ስለ ዘማዕብሉ።
ሕሙማት፡ ንመፈወሲ ተባሂሉ ብዙሕ ዓቐን ናይ ሲቶቶክሲክ (Cytotoxic) ዝተባህለ መድሃኒት ይወስዱ። እዚ መድሃኒት ኣብ መላእ ሰውነት’ቲ ሕሙም ዑደት ክገብር እንከሎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣካላት ኣሉታዊ ጽልዋ የስዕብ። እዚ ኣብ ሉንድ ዩኒቨርቲ ሉንድ፡ ዝተፈተና ኣገባብ ኣፈዋውሳ ግን፡ እቲ መድሃኒት ነቶም ብቐሊሉ ክረእኣዩን ክርከቡን ዘይክእሉ ዋህዮታት’ቲ ጥረ ጥራይ ፈልዮ ብምጥቃዕ ክፍውስ ዝኽእል ኣገባብ እዩ ክብል ካብቲ ዮኒቨርስቲ ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ብጣዕሚ ደቀቕቲ ዝኾኑ ኣካላት፡ ነቲ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ምልክታት ዘለዎም ጥረታት ጥራይ ክነዝዑ ከምዝተገብሩ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ናይ ሳንቡእ ዝፍጠሩ ጥረታት (ናይ ሳንቡእ ሕማም መንሽሮ) ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ዓይነታት መንሽሮ ኮይኑ 15% ናይ ምድሓን ዕድል ዘለዎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2018 ኣብ ሽወደን ኣስታት 3500 ዕድሚኦም ልዕሊ 15 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ ናይ ሳንቡእ ሕማም መንሽሮ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።