ኣብ ሱዳን፡ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ይቕጽሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ። ከም ጸብጻባት መሰኻኽር ዓይኒ እንተድኣኾይኑ፡ ብሓሙስ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ናብ ጽርግያታት ምውጽኦም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቲ ወታሃደራዊ ክንፊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ናብቲ ፕረዚደንታዊ ህንጻን ወታሃደራዊ መዓስከርን ዝወስዱ መንገድታት ከም ዝዓጸዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣንጻር እቶም ተቓወምቲ መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቀመ’ውን ተጸብጺቡ’ሎ።
“ሃገርና መሊስና ኣብ ኢድና ክሳብ እነእትዋ፡ ከቶ ኣይከነቋርጽን ኢና” ክብል ሓደ ወዲ 22 ዓመት ካብቶም ኣብ ካርቱም ዝነበሩ ተቓወምቲ ይዛረብ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሃምዶክ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዪ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ግና ናብ ስልጣኑ ተመሊሱ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ስንበት ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ስልጣን ብምግዳፉ፡ ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ማዕበል ከምዝተለዓለ ተፈሉጡ’ሎ።
ወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ዝካየድ ኣትሒዙ፤ ኣብ ዝተላዕሉ ህዝባውያን ተቓውሞታት፤ ብውሑዱ 57 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።