ኣብ ርእሰ ከተማ የመን–ሰንዓ–“ዘካ” ኣብ ዝዕደለሉ እዋን–ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽቕቅጥ፥ ብውሑዱ
78 ሰባት ምሟቶም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። “ባብ የመን” ኣብ ዝተባህለ ቦታ፥ ብሰንኪ ጽቕቕጥ ሰባት ምንቅስቓስ
ስኢኖም እናተጨነቑ፥ ኣማኢት ሰባት ከኣ ወዲቖም፡ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተዘርጊሑ’ሎ። ኣማኢት ሰባት
ነዚ ብነፍሲወከፍ ክንዲ $9 ዝዋግኡ “ዘካ” ክቕበሉ፥ ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብምእታዎም እዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ። ርእሰ
ከተማ የመን–ሰንዓ–ካብ 2015 ንደሓር ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር “ዕጥቓት” ሑቲ እያ ዘላ።
እዚ ህልቂት ብሰንኪ ዘይስሩዕን ቅጥዒ ዘይብሉን ኣገባብ ዕደላ “ዘካ” ዝሰዓበ እዩ ክብል፥ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት እታ
ሃገር ገሊጹ’ሎ። ነዚ ምትእኽኻብ ዘዳለዉ ክልተ ነጋዶ፥ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዮም መርመራ ይካየደሎም ኣሎ–ብመሰረት
መግለጺ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር።
ካብቶም መወትቲ ብዙሓት ቆልዑን ደቀንስትዮን ከም ዝርከብዎም ሓደ በዓልመዚ ድሕነት ሑቲ ን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ
ሓቢሩ’ሎ።