ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ንመጀምርታ ግዜ 738 ሰባት ብኮሮና ከም ዝተለኽፉን እዚ ድማ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ከምዝኾነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ንጹር ክኸውን ደልየዮ ዘለኹ፡ እዚ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናወሰኸ እንተድኣ ቀጺሉ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ክእወጅ ከምዝኽእልን፡ ዶባት ሃገረ ሰነጋል ክዕጸውን ማሕበራዊ ዕጽዋ ክካየድ ከምዝኽእልን ፕረዚደንት’ታ ሃገር፡ ማርኪ ሳል፡ ኣብ ተሌቪዥን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።
ኣብ ሃገረ ሰኔጋል፡ ክሳብ 49 ሽሕ ዝበጽሑ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኽፉን 1200 ድማ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና’ታ ሃገር ይሕብሩ።