ኣብ ርክብ እተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥሙኻ ይኽእሉ። ንኣብነት:
# እተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ትጽቢታትን ምህላው;
# መጻምድትኻ ክብሪ ዘይትህበካ ኮይኑ ይስመዓካ;
# ንካልእ ሰብ ምፍቃር;
# ንስኻ ወይከኣ መጻምድቲኻ ትቐንእ;
# ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ;
# ፍቕሪ ዘይምህላው (ምውዳእ).
ልሙድ ነገር ምድግጋም ኣብ ርክብ ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ፣ ክኸውን ግን ኣይግብኦን። ንገለ ሰባት እቲ ርክብ ቀሊልን ርጉእን ይገብረሎም።
ኣእምሮኣዊ ወይከኣ ኣካላዊ ጸገማት ወይከኣ ሕማም ኣብ ርክብ ጸገማት ክወልድ ይኽእል እዩ።
ኣብ ርክብ ዝፍጠሩ ጸገማት መብዛሕትኡ ግዜ ወሲባዊ ጸገማት ይወልዱ ወሲባዊ ጸገማት ድማ ኣብ ርክብ ጸገማት ይፈጥሩ።
ኣብ ርክብካ ጸገማት እንድሕር ኣለዉኻ፣ ምስ መጻምድትኻ ክትዛተ ወይከኣ ንእትኣምኖ ሰብ ከተማኽር ትኽእል። ኣድላዪ እንተኾይኑ ከኣ ሞያዊ ደገፍ ክትጠልብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርክብ ዝፍጠሩ ጸገማት ንምፍታሕ ግዜ ይወስድ እዩ። ንነዊሕ ግዜ ፈተነታት ድሕሪ ምግባር እውን እቶም ጸገማት ክትፈትሖም እንድሕር ዘይክኢልካ፣ መርዓ ጌርካ እንተኔርካ ክትፋታሕ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ምንጪ: zanzu.nl