ኣብ ሩስያ ዝተገብረ ዕጥቃዊ ናዕቢ ኣብ ስልጣን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን "ምንቕናቕ" ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ክብል ጸሓፊ
ጒዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ። ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብተጋደልቲ ቫግነር የቭገኒ
ፕሪጎዚን ዝተፈጸመ ናዕቢ፡ ፑቲን "ብቐጥታ ዝመጸ ብድሆ" ብምዃኑ፡ ናብ ስምምዕ ክኣቱ ከም ዝቐሰቦ ኣመልኪቱ።
ብምኽንያት እቲ ዝተግብረ ስምምዕ፥ ጒጅለ ቫግነር ትማሊ ሰንበት ግስጋሰኡ ኣብ ሞስኮ ደው ኢሉ’ሎ። እቶም ዕሱባት ኣቐዲሞም
ክልተ ከተማታት ሩስያ ሒዞም ነይሮም እዮም። ፑቲን ነቲ ጉጅለ ብኽድዓት ከሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ኩሉ ክስታት ከም
ዝስረዝ ጌሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ስምምዕ ተጋደልቲ ቫግነር ናብ ሜዳኦም ክምለሱ፥ ፕሪጎዚን ድማ ናብ ምዕራባዊ ጎረቤት ሩስያ
ሃገረ ዝኾነት ቤላሩስ ክግዕዝ እዩ። ንፑቲን ኣዝዩ እሙን ኮይኑ ዝጸንሐ ፕሪጎዚን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይተፈልጠን።
ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእየሉ ቦታ፥ ወተሃደራቱ ኣብ ዝተቖጻጸሩዋ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን እዩ ኔሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ
እንከሎ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ናዕቢ ንምኹናን ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ቴሌቪዥን ካብ ዝሃቦ መደረ ንደሓር ኣብ
ቅድሚ ህዝቢ ኣይተራእየን።
ሚስተር ብሊንከን ብሰንበት ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ን ዝኾነ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ሩስያ ን24
ሰዓታት ዝቐጸለ ናዕቢ "ዓሚቚ ሕቶታት ዘልዕል'ዩ፡ ኣብ መሪሕነት ሩስያ ምንቕናቕ ኢና ንርኢ ዘሎና" ኢሉ። ኣብ ካልኦት ሓያሎ
ናይ ኣሜሪካ ናይ ዝርርብ መድረኻት እውን ዝተራእየ ሚስተር ብሊንከን፡ እቲ ናዕቢ ኣብ ክረምሊን ወይ ኣብቲ ኣብ ለካቲት 2022
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝጀመረቶ ምሉእ ወራር እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ንምግማት ግዜኡ ከም ዘይኣኸል ገሊጹ’ሎ።
ሚስተር ብሊንከን ንኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነዚ ብመንጽር ቅድሚ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ዝነበረ ድሕረ ባይታ ምርኣይ ኣገዳሲ
እዩ ፡ ፑቲን ኣብ ኣፍደገ ኪየቭ ኮይኑ፡ ነታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክወስዳ፡ ነታ ሃገር ከኣ ካብ ካርታ ክድምስሳ እዩ
ዝደሊ ኔሩ" ኢሉ።
"ሕጂ፡ ነገር ተገልቢጡ ንርእሰ ከተማ ሩስያ ዝኾነት ሞስኮ፥ ኣንጻር ባዕሉ ዝሃነጾ ዕሱብ ክከላኸለላ ተገዲዱ'ሎ" ዝበለ ብሊንከን
እዚ ኲነታት ንሩስያን ፕረዚደንት ፑቲንን ብውልቂ ናበይ ክመርሖም ከም ዝኽእል "ክግምት" ከምዘይደሊ ገሊጹ’ሎ።
ሩስያ ብዛዕባ ዘረባ ሚስተር ብሊንከን ኣመልኪታ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበትን።