ኣብ ምደባ ደረጃ ዴሞክራሲ ዓለም 2019 ሽወደን ሳልሰይቲ ተርታ ምሓዛ ተገሊጹ። ቀዳማይቲ ኖርዌይ ካልአይቲ ድማ ኣይስላንድ ምውጽአን ድማ ተመልኪቱ። ኣውሮጳውያን ሃገራት ካብተን ቀዳሞት ሸውዓተ ተርታ ከም ዝኾና ድማ ተፈሊጡ። እዚ ተርታ ከምኒ ፖለቲካዊ ተሳትፎ፥ ምርጫ፥ ህዝባዊ ነጻነት፥ ፖከቲካዊ ብዙሕነት ማዕርነትን ግዝኣተ ሕጊን ዝመሰሉ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዚ ተርታ ዴሞክራሲ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም ካብ 5.48 ኣብ 2018 ናብ 5.44 ኣብ 2019 ምጒዳሉ ድማ ተመልኪቱ።
እዚ ድማ ካብ ምጅማር ጸብጻብ እዚ ተርታ እቲ ዝተሓተ ውጽኢት እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ተርታ 168 ሃገራት ኣብ ኣርባዕተ ሰናዱቕ ምምዳቡ ተገሊጹ። ኣብ ቀዳማይ ሳንዱቕ ምሉእ ዴሞክራሲ ዘለወን፥ ኣብ ካልኣይ ጐደሎ ዴሞክራሲ ዘለወን፥ ቀጺለን ኣብ መንጐ ውልቀምልክን ዴሞክራሲን ዘለዋ ሃገራት፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ምሉእ ውልቀ ምልኪ ዘለወን ሃገራት ዝብል እዩ። ሰሜን ኮርያ ኣብ መወዳእታ ተርታ ክትስራዕ እንከላ ሶርያ ድማ ኣብ መበል 164 ደረጃ ብምሓዝ ዝተሓተ ተርታ ዝሓዘተ ዓረባዊት ሃገር ኮይና’ላ።