ካብ ዮተበሪ ንደቡብ ዝርከብ E6 ሞቶርወይ፡ ትማል ሰሉስ ዳግማይ ተኸፊቱ’ሎ። እቲ ሞተርወይ፡ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ ብሰኑይ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት እተኸስተ ባርዕ፡ ተዓጽዩ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ሓላፊ ማሕበር ምክልኻል ባርዕ ሽወደን ቶማስ ናታኔልሰን፡ ኣብቲ ቦታ ምንባሩን 100 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ዝግመት ንብረት ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእልን ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
እቲ ባርዕ እናቐጸለ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ሚልዮናት ዝዋግኡ ኣቕሑ ካብ እሳት ከድሕኑ ምኽኣሎም፡ ናታኔልሰን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።