ትካል ሓባሲንብዓት (Ombudsmannen för rättvisa) (JO) ንኽልተ ኣኽበርቲ ሕጊ ብምጒዳል ስነምግባር ምኽሳሱ ተገሊጹ። ሓደ ካብዞም ተኸሰስቲ ኣብ ምዕራባዊ ሽወደን ወሳኒ ስልጣን ዝነበሮ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዞም ኣኽበርቲ ሕጊ ብህጹጽ ዝፍታሕ ሰለስተ ግርጭታት ክኣልዩ እኳ ስልጣን እንተተዋህቦም ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከይጀመሩ ሓያለ ዓመታት ምውዛፎም እዩ ኣኽሲስዎም።
“ሓደ ካብዞም ኣኽበርቲ ሕጊ ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ ዝኾነ ስራሕ ብዘይምስላጡ ንሕጊ ፍትሒ ጥሒሱ ኣለዉ” ክብል ሃላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓት ላርስ ላንድስትሮም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። እቲ ኻልኣይ ምስ ሕጊ ብዝተኣሳሰር ስራሕ ብጾቱ ኣብ ምምርማር ምስናፉን ብኣግኡ ጸብጻብ ዘይምቕራቡን እዩ ኣኽሲስዎ ተባሂሉ’ሎ። ስም ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ዝሰርሕሉ ቦታን ግና ኣይተጠቕሰን።