መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ምህላዉ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ስቶክሆሎም ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ማለት ካብ ሰሉስ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 1341 ሰባት ብኮሮና ምልካፎም ክፍለጥ እንከሎ፡ 11 ሓደስቲ ሕሙማት ሰባት ወሲኽካ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት፡ 85 ሰባት ምብጽሑን ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ድማ፡ ካብ 5 ናብ 9 ሰባት ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት’ቲ በዓል መዚ ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመዝገበ ብዝሒ ናይቶም ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት፡ 771 ምንባሩ ይዝከር።
በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኣብ ስቶክሆሎም፡ ኦረብሮን እስኮናን ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብቀረባ ይከታተሎ ከምዘሎ፡ ኣማኻሪ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ገሊጹ።