ፖሊስ ዓመታዊ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን፡ ኣስታት 20 ምስ ብልሽውና እተኣሳሰሩ መርመራታት ከም ዝካየዱ፡ እንተኾነ
ግና እቲ ሽግር ካብዚ ኣጸቢቑ ዝዛይድ ምዃኑ “ኤጀንሲ ህዝባዊ ምምሕዳር ሽወደን” ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ናብ ፖሊስ
ጥርዓን ዝግበረሎም ጒዳያት፥ ካብቲ ሓቀኛ መጠን ብልሽውና ዝወሓዱ እዮም ዝበለ ኣብቲ ኤጀንሲ መራሒ ፕሮጀክት ዮሃን
ማርክ፥ ኣብቲ ስራሕ ዘለዉ ሰብ-መዚ ንብልሽውና ዝተቓልዑ ምዃኖም ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ኣብ 290 ምምሕዳራት
ከተማን 20 ዞባታትን ሽወደን እዚ ተርእዮ ዝጋደደሉ ዘሎ ምኽንያት፥ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ብዙሕ ገንዘብ ቀረጽ ስለ
ዝሕዛ ብሓደ ወገን፥ ምስ ብሕታዊ ኮንትራክተራት እተተሓሓዘ መስርሓት ባጤራ ኸኣ ስለ ዘሳልጣን፥ ልዑል መጠን ብልሽውና
ከም ዝረአ እዩ ዝግለጽ።
በዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኣሃዝ ዝበዝሕ ጥርዓን ናብ ፖሊስ ክቐርብ ከም ዝግባእ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ’ሎ። ጒዳይ
ብልሽውና ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ኲነታት የርኢ ዘይምህላዉ፥ ዝበዝሑ ናብ ፖሊስ ቀሪቦም ዝለዉ ጥርዓናት ከኣ፥ ካብ ክፍሊ
ውጥንን ህንጻን ከምኡ’ውን ምምሕዳር ቴክኒካዊ ጒዳያት ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ምዃኖም፥ እንተኾነ ግና ኣብዚ ጒዳይ
ስራሕተኛታት መንግስቲን ፖለቲከኛታትን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ክብል ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።
"ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ብልሽውና ንምውጋድ ኲሉ ዝከኣለን ክገብራ ይግብአን፥ ኣንጻር ብልሽውና ብንጥፈት ዘይትሰርሕ
እንተዄንካ ከተጥፍኦ ኣሸጋሪ እዩ” ክብል ዮሃን ሞክ ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።