ኣብ ማዕከን ኢንሹራንስ ሽቕለት ኣልቦነት ብምኽንያት ዝተኸስተ ነዊሕ ናይ መስርሕ እዋን፡ ሰባት ገንዘብ ክወሃቡ ድዮም
ኣይወሃቡን ንምፍላጥ፥ ብርክት በላ ኣዋርሕ ክጽበዩ ይግደዱ ምህላዎም ጸብጻብ ሬድዮ ኣመልኪቱ። ኣብ ሽወደን ካብ ዝርክባ ዕስራ
ማዕከናት ኢንሹራንስ ሽቕለት ኣልቦነት ዝኾና “ኣልፋ-ካሰን” ን “ኮሙናን” ብምኽንያት እዚ ክስተት ካብ መንግስቲ ዝግበረለን
ዝነበረ ድጎማ ክስእና ከም ዝኽእላ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ሓቢራ። እዘን ኲባንያታት ኣሰራርሐአን እንተዘይመሓዪሸን መንግስቲ ነዚ
ስጒምቲ ክወስድ ከም ዝኽእል ኣተሓሳስቢወን ኣሎ።
እዚ ምድንጓይ ብሰንኪ ዘይስሉጥ ስርዓተ ኮምፕዩተር ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ’ሎ።