ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት፡ ኣብ ከተማ ማልመ ዝርከባ ቤት መግብታት፡ ባራትን እንዳ ሻሂታትን ልዕሊ እቲ ፍቑድ ብዝሒ ሰባት ብምእንጋደን ኣደዳ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ኮይነን ክብል ምምሕዳር ኣከባቢ ገሊጹ ክብል TT ሓቢሩ።
ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልታት፡ ካብቶም ዝተኻየዱ 50 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት፡ 9 ጥራይ ሕጊ ዝጠሓሳ ተረኺበን።
ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ ምምሕዳር ኣከባቢ፡ ኣስታት 810 ናይ ምቁጽጻር ስርሒታት ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም 80 ዝኾኑ ጥሕሰት ሕጊ ከምዘጋጠሙ ይፍለጥ።