ኣብቲ ብቕድሚ ትማል ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ደንማርክ–ኮፐንሃገን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሞል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዝቘሰሉ ዓሰርተታት ሰባት፡ ክልተ ሽወደናውያን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ሃገራ ኣብዚ ኣሸጋሪ እዋን ምስ ኖርዲካዊት ጎረቤታ ደንማርክ ደው ከም እትብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ንስድራ ግድያት ምጽንናዕ ተመንያ’ላ።
ፖሊስ ደንማርክ ምስዚ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር፡ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ እናኾነ እዚ ጥርጡር ፍቓድ ምውናን ብረት ከም ዘይተዋህቦ፡ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ደንማርክ ሶሪን ቶማሰን ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። እቲ ጥርጡር ብሃውሪ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ ተዳልዩ ዝፈጸሞ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እንተኾነ ግና ተሓባባራይ ከም ዘለዎ ዝእንፍት ሓበሬታ ከም ዘየለ ቶማሰን ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።