መንግስቲ ብገበን ንዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቴክኖሎጂ መለለዪ ገጽ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ሓድሽ ኣዋጅ ምትእትታዉ ተሓቢሩ። እዚ ፕሮጀክት ፖሊስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስካቭስታ ተፍቲሽ ገጽ ንኽገብሩ ከኽእሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። “ገበን ክንከላኸል ግድነት ኣሎና” ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ን ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ኣብዚ ሓጺር ግዜ ፖሊስ ገጽ ዘለሊ መርመራ ኣብ ሓለዋ ዶባት ስካቭስታ ክዝውተር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ጆሃንሰን እዚ ግዳማዊ ዶባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምጽናዕ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
መርማሪ ዳታ ሽወደን ነዚ ቴክኖሎጂ ምንጻጉን ኣብ ተግባር ንኽውዕል ናይ ሕጊ ለውጢ ከም ዘድሊን ነዚ ቴክኖሎጂ ተበጻሒ ዝገብር ኣዋጅ ከውጽእ ምዃኑን ድማ ተገሊጹ። “ኣብ ባይቲ እዂል ስምምዕ ዘሎ እዩ ዝመስል” ክብል ጆሃንሰን ይሕብር። እዚ ሓድሽ መሳርሒ ቪዛ ንዘይብሎምን ኣብ ገበን ንዝተሳተፉን ሰባት ከቃልዕ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ተገሪሉ ኣሎ። “ገበነኛታት ንምእራይ ዝሓሸ ስርዓት ከድልየና ኔሩ፥ እዚ ቴክኖሎጂ ነዚ ክህበና እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና” ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ሰባት ኣብ ኬላታት ዶባት ፎቶግራፍ ክለዓሉን ብመንገዲ ባዮሜትርክ ምስ ኣብ ፓስፖርቶም ዘሎ ስእሎም ክመሳኸርን እዩ። እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ኲሉ መዓርፎ ነፈርቲ ክሰርሕ ይኽእል ድዩ ወይስ ኣይክእልን ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ፖሊስ ኣብ ምምርማር ምህላዎም እውን ተመልኪቱ።