ዋና ተጸዋዒ ለበዳታት መንግስቲ ሽውደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ዝተወልዱ ነባሮ ዘሎ መጠን ለበዳ ኮሮና ክንገረሉ ዝጸንሐ ምኽንያት ኣድላዪ ዘበል ጥንቃቐ ንኽገብሩ ተባሂሉ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ሎሚ ኣብ ምስ ጋዜጠኛታት ኣል ኮምብስ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሕሙማት ካባየናይ ብሄር ምዃኖም ምንጋር ዘየድሊ ዓሌትነት ከለዓዕል ኣይክእልን ዶ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ቲግኔል ንኣገዳስነት እቲ ሕቶ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃብ ገለ ሶማላውያን በዚ ሕማም ክጥቅዑ ምስ ኣስተውዓልና ነዚ ብሄር ብፍላይ ባዕሉ ካብ ለበዳ ኮሮና ንኽከላኸል ዘድሊ ሓገዝ ክንገብረሉ ተንቀሳቒስና ኢና ኢሉ።
“ዝመጸና ጸብጻብ ምቊጽጻር ሕጂ’ውን ኣይንገድፍን ኢና። ቊጽሪ ሕሙማት ካብቲ ፈለማ በጺሕዎ ዝነበረ ብራኸ ኣጸቢቚ ምጒዳል ኣርእዩ ኣሎ። ንሕና በዚ ሕጒሳት ኢና። እዞም ዝተለለዩ ብሄራት ናብ ለበዳ ዘቃልዕዎም ገለ ማሕበራዊን ቊጠባዊን ረቓሒታት ኣብ ምልላይ እውን ሓጊዙና እዩ ኢሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ኮምፓስ ምስ ዋና ተጸዋዒን ኣማኻሪ መንግስቲ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ዝገበሮ ፍሉይ ርክብ ብጽሑፍ ክነሕትሞን ክንዝርግሖን ኢና።