ፕረሲደንት ሙሰቨኒ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጋንዳ ብዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ኣሜሪካን ዘሎ ውጥረት እናኸረረ ምምጽኡ ኣልጀዚራ ሓቢራ።
ሙሰቨኒን ኣመሪካን ምዉቕ ክበሃል ዝከኣል ዝምድና ኣኳ እንተጸንሖም ካብ 2021 ንደሓር ብምኽንያት ሕማቕ ጸብጻባት ኲነታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እዘን ሃገራት፡ ርክባተን እናተወጠረ ምምጽኡ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ሙሰቨኒ፡ ንመበል 6ይ ግዜ ምዕዋቱ እኳ እንተገለጸ፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት፡ እቲ ምርጫ ዓሎቕ ዝመልኦ እዩ ኔሩ ብምባል ከም ዝነጸግዎ ይፍለጥ።
ኣብ እዋን ናይ ምረጹኒ ወፍሪ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከም እተቐትሉን እቲ ምርጫ ብብዙሕ ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓታት ዝተሰነየ እዩ ኔሩ ክብል ኣፈኛ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኔድ ፕራይስ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጸብጻብ ገሊጹ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ ኮሚተ ሰኔት ኣመሪካን ወከልቲ ባይቶን፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ጸጥታ ኡጋንዳ ፍሉይ እገዳ ክግበር ጻውዒት ጌሮም ኔሮም።
ኣፈኛ መንግስቲ ኡጋንዳ፡ ኦፍዎኖ ኦፖንዶ፡ ምስ ኣመሪካ ዘሎና ዝምድና ዓቢ ዋጋ ኢና እንህቦ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ውሽጣዊ ጒዳይና ዝኣትወና ኲሉ ንነጽግ ኢና” ኢሉ።