ኣስታት 20,000 ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ሉፍታንሳ፡ ንእማመ ደሞዝ እቲ ኲባንያ ብምቅዋም፡ ንልዕሊ ሓደ መዓልቲ ዝጸንሕ ኣድማ ምጅማሮም ተፈሊጡ። እዚ ኣድማ ን 134,000 ገያሾ ምጽላዉ፡ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 13 በረራታት ከኣ ከም እተሰረዙ– ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ።
ናይ ሰሉስ ሓዊስካ፡ ልዕሊ 1,000 በረራታት፡ ብረቡዕ ድማ ዳርጋ ኲሎም በረራታት ብሰንኪ እዚ ኣድማ ከም እተሰረዙ፡ ወኪል ዜና AFP ኣረዲኣ።
“ኣብ ዋና ማእከልና ፍራንክፈርት፡ ከምኡውን ሙኒክ ዘለዉ ኲሎም በረራታትና፡ በዚ ተጸልዮም ኣለዉ” ክብል ኣካያዲ ፕረስ ሉፍታንሳ– ቦሪስ ኦግሩስኪ ን NTB ኣብ ዝሰደዶ ኢ-ሜይል ሓቢሩ’ሎ።
ካብን ናብን ፍራንፈርት 578 ፡ ካብን ናብን ሙኒክ ከኣ 345 ዝተሰረዙ በረራታት ምህላዎም፡ ካብን ናብን ኖርወይ ከኣ 13 በረራታት ተሰሪዞም ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።
ማሕበር ንግድ ቨርዲ ነዞም 20,000 ኣድመኛታት ወኪሉ ምስቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዝብ ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ።
ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ሉፍታንሳ ከም መጠን ካሕሳ ዝቕባበ፡ ከምኡውን ኣብ እዋን ለበዳ ዝነበረ ምጒዳል ናይ 9.5% ወሰኽ ደሞዝ ምሕታቶም፡ መራሒ እዚ ልዝብ ቨርዲ ንኣገልግሎት ዜና ጀርመን DPA ገሊጹ’ሎ።