ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ቤት፡ ማእሰርቲ ቲድሆልም እሱራት በቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ትሕዝቶ መግብን ዝተገብረ ምቕያር ናይ ዱኳን ቀረባትን ብዘይ ምዕጋቦም ዝሰዓበ ኣድማ ከም ዝተወለዐ ተሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ግዜዚ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ: በቶም እሱራት ዝቐረበሉ ሕቶታትን ጠለባትን ድሕሪ ምስምምዑ: እቲ ኣድማ ከምዘብቅዐ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ጽሒፉ፡፡
ምስ እሱራት ብምዝርራብ ኣብቲ ዝነበረ ትሕዝቶ ሞቕነን: ዝተወሰነ ምተዕርራያት ጌርና ኣለና: ማለት: ገሊኡ ብዙሓት ዝጠልብዎ ዓይነታት መግቢ ብተደጋጋሚ ከም ዝዳሎ ወይ እንደገና ደጊምካ ከምዝውሰድ ክንገብር እንከለና፡ ንገሊኡ ድማ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ናይ መግቢ ዝርዝር: ማለት: ሜኑ ፈጺሙ ከምዝውገድ ጌርና ኣለና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይ`ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኮነ ማግኑስ ኦስትሉንድ ነታ ጋዜጣ ገሊጹ፡፡
ንሱ ኣብ መግለጺኡ: ንገለ ካብቶም መብዛሕትኡ ግዜ ተዳልዮም ዝቐርቡ ፍትዋት ዓይነታት መግቢ ከባብን ናይ ድስቲ ደርሆን ክኾኑ እንከለዉ ከም ናይ ኣስፓራጉስ መረቕን ካውሎዶላርን ዝኣመሰሉ ግን ካብ ምቕራብ ተቛሪጾም ኣለዉ: ኢሉ፡፡
እቶም እሱራት ብዛዕባ`ቲ ባንኮ ወይ ድኳን ብዝምልከት ዘቕረብዎ ሓሳባትን ድሌታትን ከኣ ናብቶም ኣብ ውሽጢ ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ንናይ ክዮስክታት ማለት ባንኮታት ቀረብ ዝምልከት ብደረጃ ሃገር ሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣካላት ከም ዝተመሓላለፈ ኦስትሉንድ ብተወሳኺ ገሊጹ ክብል እቲ ጋዜጣ ደጊሙ ሓቢሩ፡፡