ኣብ ምምሕዳር ቬርሙላንድ፡ ሓደ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት፡ 80 ዝኸውን ጾታዊ በደላት ብምፍጻሙ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።
እዘን ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾና 29 ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሽወደን ዝቕመጣ ኮይነን፡ ዕድሚአን ካብ 11 ክሳብ 14 ዓመት ምዃነን ይሕበር። ኣብ ልዕሊ ተወሰኽቲ፡ ሸውዓተ ኣዋልድ፡ ብዝፈጸሞ በደላት ውን ክፍረድ ምዃኑ ውን ተገሊጹ ኣሎ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ን ዋና ኣኽባሪት ሕጊ፡ ካትሪና ሊንድበሪ፡ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
እቲ መንእሰይ፡ ብኣነዋሪ ምድፋርን ምዝመዛን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ህጻናት፡ ምፍራይ ጽዩፍ ስእልታትን ቪድዮታትን ምፍርራህን ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ ነዘን ደቀንስትዮ ብ ስናፕቻት ከም ዝረኸበንን ብምፍርራህ ዕርቃነን ክወጻን ጾታዊ ምንቅስቓሳት ክገብራን ምግዳዱ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ቫርምላንድ ብዓይነቱ ዝገዘፈ ዝተባህለሉ ክሲ 8 ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ፖሊስ 600 ሽሕ መዛግብቲ (ፋይላት)፡ ምግምጋሞምን ዝበዝሑ ድማ ኣብ ደቀንስትዮ ዝቐንዑ ጾታዊ ምድፋራት ምዃኖምን ተፈሊጡ።
መስርሕ ፍርዲ፡ ካብ ወርሒ የካቲት ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ከምዝኽእል ይግመት።