ሩስያ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ዩክሬይን ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ልዕሊ ሩስያ
ተወሳኺ እገዳታት ክግበር ጸዊዑ። ኣብዚ “ግብረ-ሽበራዊ ማዕበላት” ክብል ዘለንስኪ ዝጸውዖ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 19 ሰባት
ክሞቱ እንከለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ድሕሪዚ መጥቃዕቲ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምግባርን ንዩክሬይ ንምሕጋዝን ሓድሽ ኣገባብ ክበላሓታ
ዘለንስኪ ጸዊዑ’ሎ። ንሱ፡ ብሰሉስ ምስ መራሕቲ G7 ድሕሪ ዝገበሮ ናይ ኦንላይን ኣኼባ እዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ ዘሎ። ኣብዚ
ቀጽሪ ዝምደባ ሃገራት ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ጃፓንን ኣመሪካን፡ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ንዩክሬይን “ፋይናንሳዊ፡
ሰብኣዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ዲፕሎማስያዊን ሕጋዊን” ደገፈን ክቕጽላ ምዃናን ቃል ኣትየን ኣለዋ።