ኣብ መዓላ ፈስቲቫል መንእሰያት ንክውዕል፡ ብምምሕዳር ሻርሆልመን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ልዕሊ 1 ሚልዮን ክሮን፡ ኣብ ወጻኢታት መገሻን ሆቴላትን ብምውዓል ናይ ምትላል ፍጻሜ ከምተኻየደ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ።
ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ን 2019፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ክሮን ንኣወሃሃዲት “ፈስቲቫል 127” ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ፈስቲቫል ዘዳለወት ማሕበር ሂቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ብመሰረት ጸብጻብ መርመራታት ፖሊስ፡ ካብቲ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ 1 ሚልዮን ክሮን ዝኸውን ኣብ ውልቃዊ ናይ መገሻን ሆቴላትን መዓላ ከም ዝወዓለ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።
ብመሰረት ዶክመንታት ናይ’ቲ ምምሕዳር፡ ሓደ ኣባል ናይቲ ማሕበር ዝነበረ ሰብ፡ ዝጠፈአ ገንዘብ ንምሕባእ ናይ ባንክ ሕሳብ ወረቓቕቲ ከም ዝተምየነ ሓቢሩ።
እቲ ዝጠፍአ ገንዘብ ክምለስ እዩ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ምኽንያቱ፡ እቲ ገንዘብ ተጠቂሞምሉን እታ ማሕበር ውን ጠፊሻ ስለዝኾነት ክብል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሻርሆልመን ገሊጹ።
“ፈስቲቫል 127”፡ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ንጥፈታት ናይ መንእሰያት ዝካየደሉ እዩ።