“እዚ ብዝሕ ዝበለ ሚእታዊት ይመስለኒ። ሓድሽ ጸንጻብ ምስ ምዃኑ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ክንጽበ ከም ዘሎና ምውሳን ግና የሸግር” ክብል ነዚ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ ዶክተር ሻርሎት ሶለን ንተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ልዕሊ ሰሙን ይገብር እቲ መጽናዕቲ ን 522 ኣባላት እቲ ሆስፒታል መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘካየደሎም ይፍለጥ። ጸረ ነብሳት ንምክልኻል እዚ ሕማም ኣብ ምክልኻል ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም እኳ እንተተባህለ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ርግጸኛ ኣይኮንናን እዩ ዝብል። ሶሚን “ብዛዕባዚ ዛጊት ብርግጽ ንፈልጦ ንገር የለን” እዩ ዝብል። ሓድሽ ቫይረስ ብምዃኑ ብዙሕ ርግጽኛታት ኣይኮንናን ክብል የጠንቅቕ። “ሰውነትና ብቫይረስ ንዝመሓላለፉ ሕማማት ኣንቲባዲ ዘማዕብል ምዃኑ ግና ፍሉጥ ነገር እዩ” ክብል ይገልጽ።
“ኣቐዲሙ ተለኺፉ ዝነበረ ሰብ ነዚ ሕማም ዝኸውን ባህርያዊ ምክልኻል ብዛዕባ ምምዕባሉ ዛጊት ኣጣሊልና ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ ድማ ሓካይም ናይ መከላኸሊ ኣልባሳት ክወድዩ እዮም ዝምከሩ” ኢሉ። ኣባላት ሕክምና ኣንቲባዲ ክኽሰት ይኽእል እዩ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑ ድማ ገሊጹ። “ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰባት ኣንቲባዲ እንድሕሪ ዘየማዕቢሎም እቲ ተልእሎ ኣንቲባዲ ንሓጺር ግዜ ዝጸንሕ እዩ ማለት እዩ” ይብል ሱለን። “እዚ ኣንቲባዲ ን 12 ኣዋርሕ እንድሕሪ ዝቕጽል ኮይኑ ዓቢ ብስራት እዩ ክኸውን” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሳምንታት ካብ 2000 ሰባት ሳምፕላት ክውሰዱ ምዃኖምን ውጽኢት ክጽበዩ ምዃኖምን ድማ ኣረዲኡ።