ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን፡ ዝፍጠር ጽቕጥቅጥ ንምፍላጥ፡ ሓድሽ ኣገልግሎት Google Maps ከምተፈነወ ተሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ለበዳ ኮሮና የስፋሕፋሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እዚ ኣገልግሎት ምፍናዉ፡ ኣገዳስነቱ ብጣዕሚ ዝለዓለ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
እዚ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ኣብ ፍሉይ እዋን ካብ መንቀሊ መደበራት ብዝመዝገቦ መረዳእታታት፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዘሎ ኩነታት ጽቕጥቅጥ ንተገልጋሊ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኩነታት ጽቕጥቅጥ ናይታ ክጥቀሙላ ዝመደቡ መጓዓዝያ (ባቡር ይኹን ኣውቶቡስ) ንምፍላጥ፡ ተገልገልቲ፡ ሕቶታት ክሰዱ ይኽእሉ እዩም።