ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ገጾም ብዝተሸፈኑ ዕጡቓት ሰባት እትምራሕ ኣውዲ ዝዓይነታ መኪና ናብ ሓደ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆልም፡ ኣብ ቦትሽርካ፡ ማእከል (ሞል) ሃሉንዳ፡ ዝርከብ እንዳ ወርቂ ሰይራ ከምዝኣተወት ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቶም ገበነኛታት፡ ተመለስ . . . ተመለስ ወይ ክትመውት ኢኻ፡ እናበሉ ይጭድሩ ምንባሮም ሓደ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።
መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት፡ ሓንቲ ብሩራዊ ሕብሪ ዘለዋ መኪና ናብቲ እንዳ ወርቂ እናኣተወት ዘርኢ ቪድዮ ምዝርግሑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ፖሊስ ብወገኑ፡ ሰዓት 11፡22 ቅ.ቐ. ጥርዓን ምቕባሉ ገሊጹ። ሄሊኮፕተራትን ኣባላት ፖሊስን ኣብቲ ከባቢ ኣለዉ ክትብል ኣባል መደበር ፖሊስ፡ ኢቫ ኒልሰን፡ ሓቢራ።
ብዙሓት ኣብቲ ማእከል (ሞል) ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ዘረፋ ዝተፈጥረ ዕግርግር ተሰናቢዶም ክሃድሙ ርእየ። ኣብ መጀመርታ፡ ብሃንደበት፡ ሓያል ጥሩምባ ናይ መኪና ሰሚዐ፡ ብድሕሪኡ እታ መኪና ናብቲ እንዳ ወርቂ ሰይራ ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ ኢዶም ገለ ነገር ዝሓዙ ገጾም ዝተሸፈኑ ሰባት ካብታ መኪና ወሪዶም ብልዑል ድምጺ ይጭድሩ ነይሮም። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ድማ፡ ኣብ ኢዶም ሳንጣታት ሒዞም ካብቲ እንዳ ወርቂ ብምውጻእ፡ በታ መኪና ጌሮም ናብ ስላግስታ ገጾም ሃዲሞም ክብል ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ።