ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ትግራት፡ ጥሜት የለን ምባሉ ተገሊጹ። ንሱ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝግበር ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ሓደ ነቚጣ ተረኺቡ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት እዩ “ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን፡ ሽግር እዩ ዘሎ” ድሕሪ ምባል ነዚ ድማ መንግስቱ ከስተኻኽሎ ከም ዝኽእል” ዝገለጸ።
UN ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ሻሙናይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት፡ ሚልዮናት ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም ምህላዎም ክገልጽ ጸኒሑ’ሎ። 300 ሽሕ ካብዚኣቶም ድሮ ኣብ ኲነታት ዓጸቦ ምህላዎም ን UN ብምጥቃስ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ዋና ጸሓፊ ሰብኣዊ ጒዳያት UN፡ ማርክ ላውኮክ፡ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ትግራይ ጥሜት ምኽሳቱ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ኲናት፡ ንጥሜት ከም መሳርሒ ይጥቀምሉ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ሎ። ኤርትራ ነዚ ክሲ፡ ሓሶት እዩ ብምባል እያ ትነጽጎ።
ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ንሕና ውጹ ኢልና ኣይንደፍኦምን ኢና፥ ግና ነቲ ኲነታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክንፍጽሞ ምስኦም ንሰርሕ ኣሎና” ኢሉ’ሎ።
ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ፡ ናብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ምህላዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣብይ ጥሜት የለን ዝብል መግለጺኡ ዝህብ ዘሎ።