ዲሞስኮፕ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ብመሰረት ዝገበሮ ሓድሽ ዳህሳስ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ኣብ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ ክብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። እዚ ሰልፊ 25.4 ሚእታዊት ድምጺ መራጻይ ዘለዎ ኮይና ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ብ 1.4 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ምህላዋ ተገሊጹ። ምስ ናይ ዓሚ ባይቶእዊ ምርጫ እንክነጻጸር ድማ ብ 8 ሚእታዊት ዕቤት ምርኣያ ተመልኪቱ’ሎ።
ብመሰረት ዳይረክተር ዲሞስኮፕ ፒተር ሳንተሰን ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ካብ ሞደራትናን ክርስትያን ዴሞክራሲን ክርኽብዎ ዝግብኦም ድምጺ እዩ ናብዚ ሰልፊ ዝተዋህበ ክብል ይገልጾ። ኣብ መንጐ ብ ስተፍና ሎቨን ዝምራሕ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲን ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ብዙሕ ጋግ ዘይምህላዉ’ውን እቲ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። እዚ 2079 ሰባት እተሳተፉሉ ዳህሳስ ካብ ሕዳር 26 ክሳብ ታሕሳስ 4 ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ እዚ ዳህሳስ” ሎሚ ባይቶኣዊ ምርጫ ክግበር እዩ እንተዝበሃል ነየነይቲ ሰልፊ ምመረጽካ?” ዝብል ሕቶ ይቐርበሎም ምንባሩ’ውን ተገሊጹ።
ብመሰረት እዚ ዝተኻየደ ምጽናዕቲ ምሉእ ደገፍ ሰልፊታት ብሚእታዊት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
SD–25.4%
S–24.3 %
V–7.9%
MP–4.4%
M–17.5%
C–9.6%
L–3.9%
KD–5.9%