ኣብዚ እዋን ሩስያ ዝዓበየት ጸጥታዊ ስግኣት ሽወደን ምዃና፥ ንንውሕ ዝበለ ግዜ እውን ከምኡ ኮይና ክትቅጽል እያ ክብል፥
“ኮሚሽን ምክልኻል ሽወደን” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ደምዲሙ’ሎ። እዚ ኮሚተ ኣብ ባይቶ ሽወደን–ሪክስዳግ–ናይ ሸሞንቲአን
ሰልፍታት ወኪላት ዘለዎ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ሩስያን ቻይናን በብግዜኡ ነቲ ብሕጊታት ዝቖመ ኣህጒራዊ ስርዓት ይጥሕሳ
ምህላወን እዚ ኮሚተ ተንቲኑ’ሎ። ሩስያ ብውልቀምካዊ ስርዓት እትመሓደር፡ ሕሉፍ ሃገራውነትን ምስፍሕፋሕን ዝረኣየላ፥ ንገዛእ
ህዝባ እትስሊን እትጭቊንን ሃገር እያ ዝበለ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ከምኡ’ውን ኣባል ሰልፊ ሞደራትና ዝኾነ ሃንስ ቫልማክ፥
ሩስያ ኣብዚ ሕጂ እዋንን ብቐጻሊን ቀንዲ ድሕነታዊ ስግኣት ሽወደንን ኣውሮጳን ምዃና ኣስሚሩሉ’ሎ። እዚ ስግኣታትት
ወተሃደራዊን ካልእን ዘጠቓልል ምዃኑ፡ ሽወደን ከኣ ነዚ ስግኣት ብዝዳረግ ደረጃ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ከተደንፍዕ እቲ ጸብጻብ
ተላብዩ’ሎ።
ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ነዚ ጸብጻብ ዘለወን ደገፍ ገሊጸን ኣለዋ። እንተኾነ ግና ሓምላይን ጸጋማይን ሰልፊታት ሕጂ’ውን
ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜና ኣታንቲክ–ኔቶ–ክትጽንበር ከም ዘይድግፉ እዮም ዝገልጹ። ኣፈኛ ፖሊሲ ምክልኻል ሰልፊ
ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ፒተር ሁትቪስት ብወገኑ፥ “ሽወደን ን ህሉው ዓለምለኻዊ ኲነታት
ድሕነት ኣብ ግምት ዘእተወ ዕብይ ዝበለ ሰራዊት ክትሃንጽ ይግባእ እዩ። ሓያል ጠለቕቲ ናይ ኲናት መራኽብን ሓይሊ ኣየርን
ክትሃንጽ፥ ከምኡ’ውን እንተወሓደ 10 ሽሕ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰራዊትን ክትምልምል ከድልያ እዩ” ክብል ኣብቲ ኣጋጣሚ
ገሊጹ’ሎ።