ኣብዚ ሳመር፡ ብጠቕላላ 10,000 ካብ ኣርላንዳ ዝነቕሉ መገሻታት ከም እተደናጎዩ፡ ሬድዮ ኤኮት ጸብጺባ።
መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ብመንግስቲ ብዝውነን ኲባንያ ስዋዳቭያ እያ ዝካየድ። እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኣብዚ ሳመር ብነዋሕቲ መስርዕ፡ ሕጽረት ሰራሕተኛታትን፡ ካብ 29 ሰነ ኣትሒዙ ንኽልተ ሳምንታት እተኻየደ ኣድማ ሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያን ኣሸጋሪ ግዜ ምሕላፉ፡ እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ወርሓ ሰነን ሓምለን፡ ካብ ዓሰርተ በረራታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ እቶም ኣርባዕተ ወይ ደንጒዮም ወይ ተሰሪዞም እዮም፡ ክብል ዩሮኮንትሮል እተረኽቡ ሓደስቲ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
“እዚ ጽቡቕ ኣሃዝ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግና ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ኣውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ምድንጓይ ምእንጋደን፡ ነዚ ምድንጓይ ተወሳኺ ጽልዋ ምንባሩ” ኖርወጃዊ ተንታኒ ኣንስ ዮርገን ኤልኔ ንኤኮት ሓቢራ’ላ።