ኣብዚ ሰሙን፥ መጠን ሙቐት ኣብ መላእ ሽወደን ከም ዝውስኽን ካብ ሎም ረቡዕ ንደሓር፥ ክሳብ 30 ዲግሪ ሼልሰስ ክበጽሕ’ዩ
ክብል ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ። በዚ ድማ ባርዕ ጫካ፥ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር እንተላይ ስቶክሆልምን ያህለቦልያን ኣዝዩ
ልዑል ተኽእሎ ከም ዝለዎ፥ ኣገልግሎት ዜና ቲቲ ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ኣብ ግዳም
ዝግበር ምጥባስ ስጋ፥ ምጥቃም ከሰልን ነዳዲን ኣጊደን ኣለዋ።
እዚ መምርሒ ኣብ ገለ ክፋላት ደቡባዊ ሽወደን ኣቐድም ኣቢሉ ተኣታትዩ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ን ስቶክሆልም፥
ቨኢስማላንድ፡ ሴርማላንድ ከምኡ’ውን ጉትላንድ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። ሰባት ኣብ ገዛእ ደምበ ቤቶም፡ ብኣዝዩ ጥንቁቕ
ኣገባብ ስጋ ክጠብሱ ይኽእሉዶ ካልእ ብዝምልከት፥ ዞባታት ዝተፈላለየ ሕጊታት ከም ዘለወንን ሰባት ናብ መርበብ ሓበሬታአን
ብምኻድ ከጣልሉን ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሳሲባ’ላ።