ኣባል ሰልፊ SD ን ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝኾነ ፖለቲከኛ፡ ዘይሕጋዊ ኣጻዋር ሒዙ ብምጽንሑ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኣብ ገዛ እዚ ፖለቲከኛ፡ ፖሊስ፡ እንተዋሓደ ሓደ ብረት ከምዝረኸበ ሓቢሩ ክብል ጋዜጣ ዳጊንዝ ኒሂተር ኣረጋጊጹ።
ቤት ፍርዲ፡ ትማሊ ምስቲ ፖለቲከኛ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣቱ ገይሩ። እዚ ፖለቲከኛ፡ ኣብዛ ቤት ፍርዲ ንነዊሕ ዓመታት ስለዝሰርሐ፡ ጉዳዩ ናብ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ሕጊ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።