ሓላፊ ጉጅለታት ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ከተማ ሃኒኘ (Haninge)፡ ዴኒስ ኣሽሊንግ፡ ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ ጽፍሕታት ክሰናበት ተገዲዱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ዓሌታውን ንናይ ናዚ ኣተሓሳስባ ዝድግፍ መርገጺኡን ዝገልጽ ኣብ ዓመተ 2017 ምስ ካልአዩ ብምስጢር ዝገበሮ ርክብ፡ ብጋዜጣ ኤክስትረሰን ድሕሪ ምኽሽሑ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ ፖለቲከኛ፡ ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ፖለቲካዊ ጽፍሒ ዘለዎ ሰብ እዩ። እቲ ዝገርም ድማ፡ ኣብ ዋጋ 50 ሽሕ ክሮን ዝሽልማታ “ ሽልማት ስቶክሆሎም ኣንጻር ጽልኢ ስደተኛታት ዓሌትነትን “ ዝተባህለት ማሕበር፡ ኣባል ኮሚቴ ደያኑ ምዃኑ እዩ። እዛ ማሕበር፡ ነቶም ኣንጻር ጽልኢ ስደተኛታትን ዓሌትነትን ደው ዝብሉ፡ ኣለሊያ ሽልማት ትህብ ማሕበር እያ።
ብአሽሊንግ ዝቐረበ መግለጺታት፡ ሓደገኛን ዘይቅቡልን እዩ። ፖለቲካ ኣብ ምትእምማን ዝተሞርከሰ እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረና እምነት ድማ በርዒኑ እዩ ክብል ሓላፊ ጉጅለታት ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትን ናይቲ ምምሕዳር፡ ጋብርኤል ክሮን፡ ንተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።
ኣሽሊንግ ምስ ካልአዩ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ “ ካብ ኣፍሪቃ እንተደአ መጺኻ፡ ሕማቕ ሽታ ኣለካ ማለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሕማቕ ሽታ ኣብ ደም ኔግሮ (ጸለምቲ) ስለዘሎ “ ክብል ጽሒፉ ምንባሩ እታ ጋዜጣ ኣቃሊሓ ነይራ።
ኣሽሊንግ፡ ንነብሱ ካብ ዝበለጹ መበቆል ዘለዎም ኣሪ ዝተባህሉ ዓሌትን ንጸለምቲ ድማ ከም ጊላታት ጌሩ እዩ ዝቖጽር።
ብተወሳኺ ኣሽሊንግ “ ኣብ መቦቀል ዓደይ፡ ሃልምስታድ፡ ምስ ኣባላት ናይ ናዚ ውድብ NMR ተራኺበ፡ ናይ ሂትለር ሰላምታ ተለዋዊጠ “ ክብል ከምዝገለጸን እታ ጋዜጣ ኣቃሊሓ።
ሳፖ፡ ንውድብ NMR ፡ ከም ናይ ናዚ ገበናዊ፡ ሓደገኛን መጥቃዕታት ክፍጽም ዝኽእልን ውድብ ኢሉ ከምዝሰርዖ ይፍለጥ።
ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ድሕሪ ነዚ ምስጢር ምኽሽሑ፡ ኣሽሊንግ፡ ብወግዒ ካብ ኩሎም ፖለቲካዊ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ዝሕብር ጽሑፍ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤ ናብ ቤት ጽሕፈት ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ጽሒፉ።