ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ናሚብያ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ’ታ ሃገር ምስ ጀርመን ዝገብሮ ውዕል ምድቕቓስ ምጽናት ዓሌት፡ ብትሪ ምቅዋሞም ተገሊጹ።
መንግስቲ ጀርመን ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ፡ ኣብ ዓሌታት ሄረሮን ናማን ናሚብያ ዝፈጸሞ ምጽናት ዓሌት፡ ብዕሊ ኣፍልጦን ይቕሬታን ድሕሪ ምሕታት፡ ኣብታ ሃገር ንማሕበራዊ ድሕነት ዝውዕል ናይ 1.1 ቢልዮን ዩሮ፡ ካሕሳ ክትከፍል ምውሳና ዝዝከር እዩ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ፡ እዚ ምጽናት ዓሌት፡ ኣብ ቊጠባ እታ ሃገር ዘስዓቦ ሕዱር ጒድኣት ኣብቲ ዘተ ብግቡኣ ኣይቀረበን ክብሉ ወቒሶም ኣለዉ። ካልእ ኣባል ባይቶ ድማ፡ ህዝቢ ሃሬሮን ናማን፡ ነዚ ስምምዕ ክነጽግዎ እዮም ብምባል ተቓውሞኡ ገሊጹ’ሎ። ምክትል ፕረሲደንት እታ ሃገር ብወገኑ እቲ ካብ ጀርመን ዝኽፈል ካሕሳ ውሑድ ብምዃኑ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ጸዊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ናሚብያ፡ ሳራ ኩጎንጌልዋ፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር፡ ናሚብያ፡ ሓድነታ ሓልያ ክትቅጽል እዩ ክብል መልሲ ሂቡ’ሎ።
ኣብ ዓመታት 1904-1908 መግዛእታዊ ሓይሊ ጀርመን ካብ መላእ ህዝቢ ሃሬሮን ናማን፡ እቲ 80% ክጸንት ምግባሮም መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።