መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቻድ፡ ያያ ዲያሎ፡ ኣዲኡን ወዱን ካልኦት 3 ኣባላት ስድራ ቤቱን፡ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ከም እተቐትሉ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
እቶም ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብቲ ኣብ እንጃሜና ዝርከብ ቤቱ ብምውራር እዮም ነቲ ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ’ሎ።
መራሒ ዕጡቕ ሓይሊ ነበር ከምኡውን ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ቻድ፡ ያያ ዲያሎ፡ ንሬድዮ ፈረንሳ RFI ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብወዲ ፕረሲደንት ቻድ፡ እድሪስ ደብዒ፡ ዝምርሑ ኣባላት ጸጥታ’ታ ሃገር፡ ናብ ቤቱ ብምእታው 5 ኣባላት ስድራ ቤቱ ምቕታሎም ገሊጹ’ሎ።
ሰዓት 5 ወጋሕታ እዮም ናብ ቤተይ መጺኦም ወደይ፡ ኣደይን 3 ካልኦት ኣባላት ስድራቤተይን ቀቲሎምለይ” ኢሉ።
መንግስቲ ቻድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ስርሒት፡ ነቲ ክልተ ግዜ ሕጊ ዝጠሓሰ ያያ ዲያሎ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ዝተገብረ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ናብ ተዂሲ ዝኣተዉሉ ምኽንያት ድማ፡ ካብቲ ቤቱ ንዝወረዶም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ምዃኑ’ውን ወሲኹ ኣብሪሁ። በቲ ወሪዱኒ ዝበሎ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሰልስተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ቆሲሎም ኣለዉ ኢሉ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ቻድ፡ እንጃሜና፡ ብሰንኪ’ዚ ክስተት፡ ትማሊ ሰንበት ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ተቛሪጹ ከም ዝወዓለ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ኲነታት መርበብ ኢንተርነት ዝከታተል፡ ኔትብሎክስ፡ ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ’ሎ።
ሃገረ ቻድ፡ ኣብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣንጻር ዕጡቓት ቀንዲ መሻርኽቲ ሃገራት ምዕራብ ምዃና ተንተንቲ ይገልጹ።