ወሰኽ ኣበል ኣባይቲ ናይቶም ቆልዑ ዘለዎም ድራቤታት፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክናዋሕ ተጌሩ ምህላዉ መንግስቲን ሰልፊ
ደሞክራሲ ሽወደንን ትማል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጦም። እቲ ግዜያዊ ወሰኽ ኣብ ሳመር ክውዳእ እዩ ተባሂሉ እኳ
እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ክናዋሕ ተጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዝበዝሐ መጠን ኣበል ካብ 1325 ክሮና ኣብ ወርሒ ናብ 2100
ክሮና ኣብ ወርሒ ክብ ክብል ምዃኑ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ ናይ ኣባይቲ ኣበል ዝምልከቶም ቆልዑ ዘለዎም
ስድራቤታት መመልከቲ ምእታው ከየድለዮም ነቲ ኣበል ብቐጥታ ከም ዝረኽብዎ ክግበር እዩ።
“ኣብዚ ዓመት፡ ኣስታት 110 ሽሕ ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ወርሓዊ ናይ ኣባይቲ ኣበል ክረኽቡ እዮም ዝብል ውጥን ኣሎና።
ዝበዝሓ ካብዚኣተን በይነን ደቀን ዘዕብያ ኣዴታት እየን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኲር እዋን እዚ ኣበል ኣገዳሲ እዩ” ክትብል
ሚኒስተር ጸዓት ቢዝነስን ኢንዱስትሪን ኤባ ቡሽ ገሊጻ’ላ።
እዚ ውጥን ኣበል ኣካል ናይቲ ኣብ ጽድያ ዝህሉ ባጀት መንግስቲ ኮይኑ ምስ “ሰልፊ ደሞክራትና” ብምስማዕ ዝወጸ እዩ
ተባሂሉ’ሎ።