ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፥ ፍቓድ ስራሕ ተዋሂብዎም ካብ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ን ዝመጹ ሰራሕተኛታት፥ ዝወሓደ
መጠን ደሞዝ ካብ 13,000 ክሮና ናብ 26,560 ክሮና ክብ ክብል እዩ። እዚ 80% ካብ ማእከላይ መሃያ እዩ። ካብ ሰልፊ
ሞደራትና ዝኾነት ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስተነጋድ፥ ኣቐዲሚም ዝወጹ ፍቓድ ስራሕ ሕጂ’ውን ቅቡል ምዃኑ ፥
እንተኾነ ግና ካብ ባሕቲ ጥቅምቲ ንደሓር ዝግበር ምንዋሕ ፍቓድ ይዂን ሓደስቲ ምምልካት ስራሕ፥ እዚ ሓድሽ መጠን ደሞዝ
ክስፈረሉ ምዃኑ ሓቢራ።
"እዚ ንገሊኡ ጽላታት ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል እግንዘብ እየ። ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ውሳነ ሰራሕተኛታት ናብ ካልእ
ከመልክቱ ወይ ድማ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ዝለዓለ ደሞዝ ክሓቱ እዮም" ክትብል ስተነጋድ ገሊጻ’ላ።